ንውሳነ ትጽበየሉ ግዜ
ኢንተርቪው ምስ ወዳእካ ናብቲ መጽንሒ ቦታኻ ትምለስ። ብድሕሪ'ዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳይካ ብግቡእ ይምርምሮ ከምኡው'ን ውሳነ ይህበሉ፡ ውሳነ ክሳብ ዝወሃበካ እትጽበየሉ ግዜ ይፈላለ እዩ። ኮሚሳርያት CGRS ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ውሳነ ክህብ እዩ መደቡ፡ ተወሳኺ መርመራ እንተኣድልዩ ግን ክነውሕ ይኽእል'ዩ። ድሕሬኻ ኢንተርቪው ዝገበረ ቅድሜኻ ውሳነ ክመጾ ይኽእል'ዩ,፡ እዚ ግን ዘሻቕል ኣይኮነን፡ ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ነናቱ መስርሕ ስለዘለዎ። ምንዋሕ ግዜ ሻቕሎትን ምጥርጣራትን ከስዕብ ከምዝኽእል CGRS ኮሚሳርያት ስለዝርዳእ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ውሳነ ንምሃብ ዝከኣሎ ጻዕርታት ይገብር'ዩ።
CGRS ንጉዳይካ ብኸመይ ይውስን
ካልኣይ ኢንተርቪው ምስ ወዳእካ፡ ኮሚሳርያት ጉዳይካ የጻርዮን ይምርምሮን፡ ኣብ ግምት ዘእትዎም ነገራት ድማ፡
- ዕድመ፡ ደረጃ ትምህርት፡ ኩነታት ኣታዓባብያ፡ ጾታ፡
- ትሕቲ ዕድመ ምዃንካ ኣብ ግምት ይኣቱ።
ኮሚሳርያት ዝሃብካዮ ሓበሬታን ዘቕረብካዮ ወረቐት ሓቂ ምዃኑ የረጋግጽ፡ ይምርምር፡ እዚ ማለት ድማ፡
- ኩሉ ዝተዛረብካዮ ሓቅነት ከምዘለዎ
- ዘቕረብካዮ ወረቓቕቲ ሓቀኛ ምዃኑ
- ዑቕባ ትሓተሉ ዘለኻ ምኽንያት ብቑዕ ድዩ ኣይኮነን። ብዛዕባ መበቆልካ ዝሃብካዮ ሓበሬታ፡ ኹሉ ሓቂ ምዃኑ ይምርምር።
ዘቕረብካዮ ጉዳይን ወረቓቕትን ሓቅነቱ ምስ ተረጋገጸ፡ CGRS ጉዳይካ ኣብ ትሕቲ ናይ ጀነቫ ናይ ዑቕባ ውዕል ሕጊ ብኸመይ ከምዝተሓዝ የረጋግጽ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርካ ብሰንኪ ኲናት፡ ዜግነትካ፡ ዓሌትካ፡ ሃይማኖትካ፡ መበቆልካ ወይ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያኻ ናይ ሰብኣዊ ምግሃስ መሰል ወይ ግፍዒ ምስ ዘጋጥመካ ናይ ዑቕባ መሰል ይህልወካ ዝብል ሕጊ እዩ። ጉዳይካ ተመርሚሩ ናብ ሃገርካ ምምላስ ናይ ሂወት ሓደጋ ምስ ዝህልወካ ድማ ቀዋሚ ወይ ግዚያዊ ዑቕባ ይወሃበካ ማለት'ዩ።
ኮሚሳርያት CGRS ቀዋሚ ወይ ግዜያዊ ናይ ዑቕባ መሰል ዘይግባኣካ እንተኾይኑ ነጌቲቭ ማለት ጉዳይካ ይንጸግ ማለትዩ።
ብዝተዋህበካ ውሳነ እንተዘይዓጊብካ ወይ እንተዘይተሰማማዕካ ብሓገዝ ጠበቓ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ግዜ ኣንጻር ናይቲ ውሳነ ጥርዓን ከተቕርብ መሰል ኣለካ። ጥርዓን ተቕርበሉ ቤት ጽሕፈት
ድማ ቤት ምኽሪ ጉዳይ ዑቕባ ስደተኛኛታት ወይ RVV / CCE
እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ንጠበቓኻ ተወከስ።