ኣብ በልጁም ዑቕባ ንምሕታት ትምዝገበሎም ሰለስተ ኣማራጺ ቤት ጽሕፈታት፥
- ኣብ በልጅዩም ምስ በጻሕካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ዚርከብ ማእከል ምዝገባ (IO) (Boulevard Pachecho 44, 100 Brussels) ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ሰዓት 8.30 ቅ. ቀ
- ኣብ ዶብ ንሰበ-ስልጣን ዶብ ንኣብነት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ።
- ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ዕጹው መጽንሒ ቦታ እንተኣሊኻ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ክትምዝገብ ትኽእል።
ኣብ ካልእ ሃገር ኮንካ ዑቕባ ክትሓትት ኣይፍቀድን እዩ።
ዑቕባ ክትሓትት ዝፍቀድ ብኣካል ምስ ትቐርብ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ዑቕባ ምሕታት ኣይፍቀድን። ኣብ በልጁም ምሳኻ ዝኣተዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተዳኣ ኣለውኻ ግን ኣብ ናትካ ፋይል ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ።
IO (DVZ/OE) ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ ኣብ ማእከል ምዝገባ ክምዝግቦ ኢዩ እዚ ዝስዕብ ድማ ክፍጸም ኢዩ ፦
- እንታይነትካ የጻርዩ፡
- መንነትካ ይሓቱኻ፡ ዘለካ ኩሉ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ከተረክቦም ድማ ግዴታ ኣለካ፡
- ተርጓማይ ብምንታይ ቋንቋ ከምዘድልየካ ድማ ይሓቱኻ፡ ብድሕሪ'ዚ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ናይ ዑቕባ መስርሕ ብቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ድማ ብቋንቋ ፈረንሳ ምዃኑ ይውስን።
ዑቕባ ክትሓትት ዝፍቀድ ብኣካል ምስ ትቐርብ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ካልእ ሰብ ዑቕባ ምሕታት ኣይፍቀድን። ኣብ በልጁም ምሳኻ ዝኣተዉ ትሕቲ 18 ዓመት ውላድ እንተዳኣ ኣለውኻ ግን ኣብ ናትካ ፋይል ከተእትዎም ትኽእል ኢኻ።
IO (DVZ/OE) ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ ኣብ ማእከል ምዝገባ ክምዝግቦ ኢዩ እዚ ዝስዕብ ድማ ክፍጸም ኢዩ ፦
- እንታይነትካ የጻርዩ፡ - መንነትካ ይሓቱኻ፡ ዘለካ ኩሉ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ከተረክቦም ድማ ግዴታ ኣለካ፡ - ተርጓማይ ብምንታይ ቋንቋ ከምዘድልየካ ድማ ይሓቱኻ፡ ብድሕሪ'ዚ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ DVZ/OE ናይ ዑቕባ መስርሕ ብቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ድማ ብቋንቋ ፈረንሳ ምዃኑ ይውስን። - ዓሸራ ትገብር፡ ስእሊ ትሳእል፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኔርካ ድማ ይጻረይ (ዱብሊን ኣለካ ወይ የብልካን) |
ድሕሪኡ ፈዳዚል ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኽትጸንሕን ሕክምናዊ መርመራ ኽትገብርን መሰል እንተልዩካ ከረጋግጽ እዩ ። ኣብ ዌብ ሳይት ፈዳሲል ዝያዳ ኣንብብ ።
ድሕሪኡ ፈዳዚል ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኽትጸንሕን ሕክምናዊ መርመራ ኽትገብርን መሰል እንተልዩካ ከረጋግጽ እዩ ። ኣብ ዌብ ሳይት ፈዳሲል ዝያዳ ኣንብብ ።
መስርሕ ዑቕባ ምስ ጀመርካ ጠበቓ ወይ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ክትገብር መሰል ኣለካ። ናይ ምኽፋል ዓቅሚ ምስ ዘይህልወካ ድማ ብዘይክፍሊት ጠበቓ ክቑጸረልካ ይከኣልዩ። (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዛ ኣብ ጎኒ ዘላ
ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፋ ዘላ ትብል ዘላ ጠውቕ።